ሎሚ ኵነታት ሃገርናን፡ ህዝብናን፡ መንእሰያትናን ኣዝዩ ኣሰካፊ እዩ ዘሎ። ቃል ኣምላኽ ድማ ብህድኣትን፡ ብዘይ ህውከትን ምእንቲ ክንነብር ቅድሚ ኩሉ ብዛዕባ መራሕትና ክንጽሊ ከም ዝግብኣና እዩ ዚነግረና። ምእንቲ ከይንጽሊ ሐልዮት ሓዳር፡ ስኽራንን ስስዐን እዮም ዝኽልክሉና እሞ፡ ነዚኣም ካብ ህይወትና ብምርሓቕ፡ ኣምላኽ ብዛዕባ ምድርናን፡ ህዝብናን ብጾምን ጸሎትን ኪንነቅሕ ይደልየና ኣሎ። ከምቲ ዮናስ እታ መርከብ ብዙሕ እናተሐቝነት እንከላ ዝደቀሰ፡ እንድቅስ ዘይኰንናስ፡ ካብ ድቃስ እንበራበረሉ ጊዜ ከም ዝበጽሐን ክንርዳእን ሓላፍነትና ከነልዕልን ይግብኣና።
1 የካቲት 2004