ሃዋርያ ጳውሎስ፣ ብእምነት እንተ ኣሊኹም ርእስኹም ፈትኑ፣ ርእስኹምውን መርምሩ ኢሉና ኣሎ። መሊሱ እቶም ናትና ነቲ ብግዲ ዜድሊ ነገር ኪመሃሩ ከምዘድሊ ተዛሪቡ ኣሎ። እዚ ከኣ ብክርስቶስ ዚርከብ ፍረ ጽድቂ እዩ። ሓደ ካብኡ ድማ እምነት እዩ። ስለዚ ሎሚ ብቓል ኣምላኽ ሓቀኛ እምነት እንተ ኣሎና ርእስና ኪንፍትሽ ይግብኣና። ሓቀኛ እምነት ግብሪ ኣለዎ። ስሑት እምነት ግብሪ የብሉን። ሰባት ክንዲ ንእግዚኣብሄር ንገንዘብ፣ ንናይ ሓሶት ትምህርትን ካልእን ኪኣምኑ ይርኣዩ እዮም። እዛ ዘላትና ንእሽቶ እምነት ምእንቲ ክትዓብየልና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጸሎት እነዘውትር ሰባት ንኹን። ንኣምላኽ እምነት ወስኸና ንበሎ።
ብ ቀሺ ገብረመጽህን ገብረጊዮርጊስ ዕለት 24/10/2004 ኣብ ቀጽሪ መካነ ሂወት መድሃኔም ቤትክርስትያን