ትምህርቲ ስላሴ ትምህርቲ ምግላጽ (ኣስተርእዮ) ከም ምኳኑ መጠን፡ ናይ ኣምልኾ ትምህርቲውን እዩ። ምስጢረ ስላሴ ናይ ምድሓን ትምህርቲ እዩ። ምስጢረ ስላሴ ናይ ሓድነት ትምህርቲ እዩ። ምስጢረ ስላሴ ትምህርቲ ትሕትና እዩ። ኣብ መወዳእታ ድማ ምስጢረ ስላሴ ናይ ምእዛዝ ትምህርቲውን እዩ። ስለዚ እዩ ነብዩ ኢሳያስ ክብሪ ኣምላኽ ምስ ረኣየ ቅዱስ፡ ቅዱስ፡ ቅዱስ እዩ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኢሉ ናብ ኣምልኾ ዝኣተወ። ስለዚ ከኣ እዩ፡ ኣነ ከናፍረይ ዝርኹስ ሰብ እየ ኢሉ ትሕት ዝበለን ካብ ሓጢኣት ዝደሓነን። ስለዚ ድማ እዩ ንኣይ ልኣኸኒ ኢሉ ዝተኣዘዘ። ነዚ ምስጢር እዚ ብዝተረዳእናዮ መጠን ኣብ ህይወትና ከምዚ ዝበለ ባህርያት ኪስልጥን ይግብኦ። ኣምላኽ ብምግላጽ ይባርኸና።
27 ታሕሳስ 2003