እግዚኣብሄር ደረት ሰገር ኣምላኽ እዩ። እዚ ትምህርቲ እዚ ልዕሊ ኣእምሮና ኪኸውን ምኽኣሉ ዚገርም ኣይኰነን። እግዚኣብሄር ብሓድነቱን ሰለስትነቱን ምስጢር እዩ። ንምንታይ ኢና ግና ምስጢረ ስላሴ ንመሃር፧ ትምህርቲ ስላሴ ትምህርቲ ምግላጽ እዩ። ንወዲ ኣቦ ጥራይ ከም ዝፈልጦ፡ ንኣቦ ድማ ወዲ ጥራይ ከም ዚፈልጦ ነዚ ምግላጽ እዚ ውን ካብ ኣምላኽ ኪንቅበሎ ኣሎና። ነዚ ምስጢር እዚ ካብ መድረኽ ጥራይ ኪንጽበዮ ኣይግብኣናን። እምነትና ብስልጣን ኣምላኽ ክትስረት ይግባእ። ስለዚ ክንጽልን፡ ኣብ እግዚኣብሄር ክንውከልን ከድልየና እዩ። እቶም ንእግዚኣብሄር ክርድእዎ ዝኽእሉ ድማ እቶም ሓሳብ ክርስቶስ ዘለዎም እዮም። ስለዚ ብምሕዳስ ሓሳብና ንለወጥ። ኣብ ቤት ኣምላኽ ምምልላስ ምእንቲ ኣሰልቻዊ ነገር ከይኰነና እሞ ካልእ ኣማራጺ ሃሰው ከይንብል ብምግላጽ ኣምላኽ ንዕበ። ኣምላኽ ይደግፍ !
27 ታሕሳስ 2003