ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ ! ኣሜን!

ርስቶም ወደይ ከመይ ቀኒኻለይ፧ ኣነ ኣቦኻ እግዚኣብሄር ይመስገን ብጸጋ እግዚኣብሄር ጽቡቕ ኣለኹ። ካን ኣነ እንተ ጠፋእኩስ ንስኻ’ከ ደሃየይ ኣይትገብርን ዲኻ፧ ካብቲ ጽሑፍካ እኰ ድምጺ ኣምላኽ እሰምዕ፡ ብዓቢኡ ከኣ ኣብ ፍርሃት እግዚኣብሄር ዚተሞርኰሰ ምዝርራብና እግዚኣብሄር ባህ ኢልዎ ከም ዚሰምዖን ንዝኽሪ እውን ብጽሑፍ ከም ዜስፍሮን ኣብ ሚልክያስ 3፡16፤ ሽዑ እቶም ንእግዚኣብሄር ዚፈርሁ ንሓድሕዶም ተዛራረቡ፣ እግዚኣብሄር ከኣ ጽን በለ ሰምዔውን። ነቶም ንእግዚኣብሄር ዚፈርሁን ንስሙ ኸኣ ዚሐስቡን ዚኸውን መጽሓፍ መዘከርታ ኣብ ቅድሚኡ ተጻሕፈ። ተጽሒፉ’ዶ ኣየሎን፧ ስለዚ ወደይ ብሩኽ ጥቕሙ ድርብ እዩ እሞ ኣይትጥፍኣኒ ደኣ።

ለም ቅነ ሓደ ብጎይታ ሓወይ ኣብዛ ናይ ግሽነት ናብራ ኸኣ መቑርሰይ ሓንቲ ዛንታ ኣዕሊሉንስ ተማሂረላ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ኣፉ ንዘየጽረየ ውሉድካ ጽን ኢልካ ከም እትሰምዖ ጽን ኢሉ ሰሚዑና፡ ንጽቡቕና ሓሲቡልና ከኣ ኣብ መጽሓፍ ዝኽሩ ጽሒፉልና። ካልኣይ ግዜ ቆላሕትኡ ናባይን ናባኻን ምእንታን ኪኸውን ኣብ ዝኽሩ ኸኣ ኪጽሕፈልና ምሳኻ ክካፈላ ወሲነ። ስለዚ ዝወደይ ብሩኽ፡ ፍርሃት እግዚኣብሄር ዝመሰረቱ ስም እየሱስ ዘማእከለን ጽሑፋትካ ኩሉ ግዜ እየ ዚብህጎ። በዚ ድምጺ ኣምላኽ ብኣኻ እሰምዕ፡ በቲ ኸኣ ኣብ ዓይኒ እግዚኣብሄር እኣቱን ንጽቡቐይ ይሕሰበለይን። እታ ዛንታ ከምዚ ትስዕብ እያ  ሓደ እዋን ሓሰማ፡ በጊዕ፡ ደርሆ ካብ ዝቕመጣሉ ዓዲ ናብ ካልእ ቦታ ይገሻ ነበራ። ኣብ መንገደን ናብ ሓደ ቑሸት ኣብ እተኣለያሉ ህሞት ብዙሓት ህጻናት ኣብ ፎቖድኡ ዕጽፍ ዕጽፍ ኢሎም ደቂሶም ረኣያ፡ ኣብ ጥቕአን ንዝነበረ ሰብ ምኽንያት ከምኡ መዀኒኦም ምስ ሓተትኦ ጥምየት ምዃኑ ነገረን። ድንጋጽ ተሰሚዕወን ክሕግዝኦም ከም ዘለወን ተዘራረባ። ደርሆ መራሒት ዘረባ ስለ ዝነበረት፡ ኣነ እንቋቕሖ ክህቦም እየ፡ በጊዕ ከኣ ጸባ ሃብዮም፡ ሓሸማ ኸኣ ሃም(ስጋ ሓሰማ) ሃብዮም ብማለት ፍታሕ እትብሎ ሓሳብ ኣቕረበት። በጊዕ በቲ ሓሳብ ተሰማምዐት፡ ሓሰማ’ውን ሕራይ ሞሊቓታ እኳ እንተነበረት እንተ ሓሰበትሉ ግን ሃም ክትህቦም እንተዀይና ንሳ ኣይክትህሉን እያ፡ ስለዚ ኣብቲ ሓሳብ ከም ዘይትሰማማዕ ገለጸት)።

ካብቲ ዘለዎ ገለ ክፋል፣ ናይ ህይወቱ፣ ናይ ዕድላቱ፣ ናይ ጥሪቱ፣ ምሃብ ኩሉ እዩ ዚኽእሎ። ዘለዎ ኹሉ፣ ኩሉ ዕድላቱ፣ ሂወቱ ዜካፍል ግን ክንደይ ካባና ዀን ይኸውን ፧ ወደይ ብሩኽ፡ ብዓቢኡ እግዚኣብሄር ኣቦ ከድሕነና ምስ ፈተወ ነቲ ሓደ ወዱ ምእንታና በጃ ሃበ። እቲ ንዓለም ብይኹን ዝፈጠረ ጎይታ’ውን ንድሕነትና ብይኹን፣ ብቓሉ፣ ወይ’ውን ብመላእኽቱ ዘይኰነስ ህይወቱ ብዘይተረፍ ስለ ዝኸፈለልና ኢና ህይወት ክንረክብ ዝኸኣልና። ከም ጻማ ነፍሱ ኸኣ ህይወትና ብምልኣት ክንህቦ ይጽበየና። ንጐይታ ሂወትካ ምሃብ ከኣ ተፈጻምነቱ ኣብ ባይታ፡ ነሕዋትካን ምስሊ ኣምላኽ ንዘለዎም ህዝብኻን ኣብ እትገብሮ ምውፋይ እዩ ዝርአ። ጉይታ ንዕኡ ንምግልጋል ዕድል ከምዝሰኣኑ ምኽንያት ንዘቕረቡ፡ ምኽንያት ከምዘይብሎም ከምዚ ብምባል ነገሮም ። ማቴ 25 42-45 “ጠምየ ነበርኩ እሞ፡ ኣየብላዕኩምንን። ጸሚኤ፡ ኣየስቴኹምንን። 43 ገይሸ፡ ኣይተቐበልኩምንን። ዐሪቐ፡ ኣይከደንኩምንን። ሐሚመ፡ ተኣሲረ፡ ኣይበጻሕኩምንን።44 ሽዑ ንሳቶም፡ ጐይታይ፡ መኣዝ ጠሚኻ ርኤናካ፡ ወይ ጸሚእካ፡ ወይ ጌሽካ፡ ወይ ዐሪቕካ፡ ወይ ሐሚምካ፡ ወይ ተኣሲርካ፡ ዘየገልገልናካ፧ ኢሎም ይመልስሉ።45 ሽዑ ንሱ፡ እቲ ኻብዞም ናእሽቱ ንሓደ ዘይገበርኩምሉ ንኣይ ከም ዘይገበርኩምለይ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ ኢሉ ይመልሰሎም።

ኣብ ማር፡12፥41-44 ጎይታና ሰባት ኣብ ቤተ መቕደስ ምጽዋት ክህቡ ምስ ተዓዘበ፡ ካብ ተረፎም ብዙሕ ገንዘብ ካብ ዝሃቡ፡ ናይታ ሒደት ግናኸ ዝርካባ(ዘለዋ ዘበለ ኹሉ) ዝሃበት መበለት ዝሃበቶ መጠን ከም ዚበዝሕ መስከረ። እቲ መዐቀኒ ናይ ጎይታ፡ ክንደይ ብዝሒ ሂቡ ዘይኰነስ፡ ካብ ክንደይ ክንደይ ሂቡን፡ ዚኽእሎ ኹሉ ምግባሩን ምዃኑ ኢና እንግዘብ። ናይ ስነ ቑጠባ ምሁራን ንዋይና ኣብ ሓደ ቦታ ከነውፍሮ ከም ዘይግባእ እዮም ዝነግሩና፡ ምኽንያቱ እቲ ሓደ እንተጠፍኤ በቲ ዝተረፈ መታን ክንብገስ። ናይ ስነ ህይወት ኣማኻሪና (መጽሓፍ ቅዱስ) ግን ብፍርቂ ምጽዋት (ምዕያይ) ኣብ ዓወት ከም ዘየብጽሕ እዩ ዚመኽረና። ያእቆብ 1,7-8ክልተ ዝልቡ ሰብኣይ ብዅሉ መገዱ ጽኑዕ ኣይኰነን እሞ፡ እቲ ኸምዚ ዘመሰለ ሰብ ካብ ጐይታ ገለ ዚቕበል ኣይምሰሎይብለና። “ካብኣ ንዝረሓቐ ከተውርድ ኢላስ ናይ ትሽትሻ ኣውደቐት” ዝብል ናይ ኣምሓርኛ ምስላ ከምዘሎ እቲ እንደልዮ፡ ነቲ ዝረኸብናዮ ከየጥፍኣልና ክንጥንቀቕ ይግባእ።

ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ሞንጎ “ካባኻ ዝፈረየን (ወንጌል ብዘይ ርእስኻ)”፡ / “ርእስኻ ምሃብን (ወንጌል ምስ ርእስኻን)” ፡ናይ ዘሎ ፍልልይ ምኽንያት ክገልጸሎም እንከሎ፡ ዕዙዝ ፍቕሪ ምዃኑ ኣብርሃሎም፡ 1 ተሰሎ 28ከምዚ፡ ኣዚኹም ፍቁራትና ስለ ዝዀንኩም፡ ገዛእ ነፍስና ድማ እምበር፡ ወንጌል ኣምላኽ ጥራይ ኣይኰንናን፡ ከነካፍለኩም እንፈቱን እንምነን ዝነበርና። ዝወደይ እቶም ንክርስቶስ ብሓቂ ዜፍቅሩ ኸኣ ኣሰር መምህሮም ስለ ዚኽተሉ ኣብ ናይ ምድሪ ናብርኦም ተመሃራይ ካብ መምህሩ ስለ ዘይበልጽ፡ ከምቲ ንሱ ማዕረ ኣምላኽ ምዃኑ ከም ምምንዛዕ ከይረኣየ ከም ንማሕረዲ እትኽብከብ ገንሸል ኣፉ ከይከፈተ ምኽንያት መምጽኢኡ ፈጺሙ ዝሓለፈ፡ ከምኡ ከኣ ሰዓብቲ ክርስቶስ እቶም ተማሃሮኦም በቲ መንፈሳዊ ነገር መታን ኪህብትሙ “1ይ ቆረንቶስ 1 ፡4-6፤ ኣነ፡ ከምቲ ምስክር ክርስቶስ ኣባኻትኩም ዝጸንዔ፡ ስለቲ ብክርስቶስ የሱስ እተዋህበኩም ጸጋ ኣምላኽ ብዂሉ ቓልን ብዂሉ ፍልጠትን ብዂሉ ብእኡ ስለ ዝሃብተምኩም፡ ኲሉ ሳዕ ብዛዕባኹም ንኣምላኸይ ኤመስግን ኣሎኹ። ስለ ወንጌል ክሳብ ሕጂ ( 1ይ ቆረንቶስ 4፥11፤ ክሳዕ ሕጂ ንጠምን ንጸምእን ንዓርቕን ንጽፋዕን ኣሎና፡ ማሕደር የብልናን፡)። ጳውሎስ፡ ጎይታ ንኢሳያስ 53፣5 እተነግረ ትንቢት ፈጺሙ ምስ ከደ፡ ብጸጋ ኣምላኽ፣ብኹሉ ቓልን፣ ብኹሉ ፍልጠትን ብኹሉ ብእኡ ሃብቲሙ ክነሱ፡ ብስጋ ግን ማለቱ እዩ፡ ንጸምእን፣ ንዓርቕን፣ ንጽፋዕን፣ ኣሎና፡ ማሕደር የብልናን ብምባል ኣብ መከራ ክርስቶስ ሕብረቱ ይእመን ነበረ። እዞም ኣብ መከራ ክርስቶስ ብምሕባር ብማሕረዲ ሓሊፎም ካብዛ ምድሪ ምስ ገዓዙ ምስ መምህሮምን መድሓኒኦምን ብዛዕባ ኣብ ምድሪ ዚግበር ዘሎ ነገር ጥርዓን የቕርብሉ ኣብ ዝነበሩ ህሞት፡ ከምዚ ቢሎም ሓተትዎ ራእይ 6፡10፤ ዓው ብዝበለ ድምጺ ኸኣ፡ ቅዱስን ሓቀኛን ጐይታ፡ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ ዘይትፈርድ፧ ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉኻ ኽሳዕ መኣዝ ኢኻ ሕነ ደምና ዘይትፈድዮም፧ እናበሉ ጠርዑ።11 ንነፍሲ ወከፎም ድማ ጻዕዳ ኽዳን ተዋህቦም፡ እቶም ከማታቶም ኪቕተሉ ዘለዎም ብጾቶም ባሮትን ኣሕዋቶምን ክሳዕ ዚምልኡ ኸኣ፡ ገና ቕሩብ ዘመን ኪዐርፉ ተባህለሎም። ጎይታ ጥርዓኖም እኳ ቕቡል እንተዀነ፡ ግናኸ ነቶም እተሓርዱ ከም መርኣያ ጽድቆም ጻዕዳ ክዳን ኣልቢሱ፡ ኣነን ንስኻን ስጋብ እንቕተል ገና ቁሩብ ዘመን ኪዕገሶም (ኪህቦም) ምዃኑ ነገሮም።

ርስቶም ወደይ ንሕና ብዛዕባ ርእስና ነንሕድሕድና እንዘራረቦን፡ ኣምላኽ ብዛዕባና ምስቶም ስለ ቃል ኣምላኽ፡ ዝነበሮም ምስክርን ዚተሓርዱ ኣብ ሰማያት ዚዘራረቦ ዘረባን ምርኻብ ኣብዩኒ። ንሕና ብዛዕባ ራህዋ ስጋናን፡ ምፍጻም ብባህግታትናን፡ ምስኻዕ ውጥናትናን ንዘራረብ፡ እቶም መምሃራንና ብጾትና ባሮትን ኣሕዋትናን ኸኣ ብዛዕባ ምቕታልና፡ ንዕኦም ምምሳልናን, ይዘራረቡ። ኣብ ማቴ 10፣32-39 ሰላም ኬምጽእ ዝመጻኹ ኣይምሰልኩም ኢሉ። ከምኡውን ኣብ ማቴዎስ 16፣24-26፤ ሽዑ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ንህይወቱ ኼድሕና ዚደሊ ኼጥፍኣ እዩ። እቲ ንህይወቱ ምእንታይ ዜጥፍኣ ኸኣ ኪረኽባ እዩ እሞ፡ ኪስዕበኒ ዚፈቱ እንተሎ፡ ህይወቱ ቐቢጹ፡ መስቀሉ ኣልዒሉ ይስዐበኒ።26 ንሰብከ ዅላ ዓለም ረቢሑስ፡ ነፍሱ እንተ ኣጥፍኤ፡ እንታይ ትጠቕሞ፧ ወይስ ሰብ በጃ ነፍሱ እንታይ ኪህብ እዩ፧ ብምባል ሂወት ብክርስቶስ ማለት፡ ርእስኻ ብምቕታል (ብምጥፋእ)፡ ንመከራ ብምብቓዕ፡ ናብቲ ቦታ ኽብሪ ናብ ክርስቶስ ምግዓዝ ምዃኑ ኢና እንግንዘብ።   ጎይታ እዛ ቓል እዚኣ ዝተዛረባ፡ ጴጥሮስ ንጎይታ ብዙሕ ሓሳረ መከራ ካብ ምጽጋብን፡ ምቕታልን ክባልሆ (መከራን ምቕታልን ከይእመን ክገንሖን) ምስ ጀመረ እዩ። እዚ ሓሳብ እዚ (ብዘይ መከራ ምዃን) ንክርስቶስን ንሰዓብቱን ናይ ሰይጣን ሓሳብ ምዃኑን፡ ኣማኒ ነፍስኻ ናይ ምጥፋእ ናይ ህይወት መስርሕ ብዝዀነ ነገር ክብጀዎ (ክትክኦ) ከምዘይክእል ኣነጸረ።

ወደይ ብሩኽ፡ ዮውሃንስ መጥመቕ እኰ ብሄሮድስ ምስ ተሰየፈ ኣይኰነን ዝተቐትለ። ሽዕኡ እሞ ግዒዙ ዓስቢ ናይ ምሟቱን እዩ ተቐቢሉ። ግናኸ ኣቐዲሙ እዩ ሞይቱ (ነፍሱ ኣጥፊኡ) ሞቱ እሞ ብተግባር ብናብራ እዩ ዜርኣየና።   ተጫራቲ ኣብ ዘይብሉ ገዛ ክዓቢ እናኸኣለ፡ በረኻ ምስ ሓረየ ናይ ዝሕላን ጠስምን ዕድል እንከለዎ፡ ኣንበጣን መዓር ሰንካልን ምስ ተመገበ ኣብ ዘመነ ሃሪ ቀምሽ፡ ጾግሪ ገመል ምስ ተኸድነ ብዓቢኡ ኸኣ ብዛዕባ ርእሱ ምስ ተሓተተ፡ ካብ ክቡራት ስድራን ዝሓሸ መንነት ምስ መንፈሳዊ ሕርየት እኳ ዘለዎ ክነሱ፡ ስጋዊን መንፈሳዊን ክብሩ ብምኽሓድ (ብምቕታል) “ድምጺ እየ” ፡ ምስ በለ ከም ውጽኢቱ ኸኣ ብማእሰርቲ መከራ ተቐበለ፡ ብምስያፍ ከኣ ናብ ክብሪ ገዓዘ። ነዚ እዩ ኸኣ ጎይታ ብዛዕባ ዮውሃንስ ዘገርም ምስክርነት ክህብ ዝገበሮ።

ዮሃንስ 5፡35፤ ንሱ ዚነድድን ዜብርህን መብራህቲ ነበረ። ንስኻትኩም ከኣ በቲ ብርሃኑ ቕሩብ ጊዜ ባህ ኪብለኩም ደሌኹም። ከምኡ’ውን ኣብ ሉቃስ 7፡28፤ ካብ ኣንስቲ ኻብ እተወልዱ ኻብ ዮሃንስ መጥመቕ ዚዓቢ ነብዪ ሓደ እኳ የልቦን፡ እብለኩም አሎኹ። ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ግና እቲ ዚንእስ ይዓብዮ። ብምባል ኣብዛ ምድሪ እንቕተለሉ መገዲ ሓበረና። ንሱ ኸኣ ምእንቲ ሰባት ባህ ክብሎምን ክድሕኑን እናነደድና (እናሓቐቕና) ክንበርህን፡ ከምኡ’ውን ርእስና ልዕሊ ናይ የውሃንስ ከነትሕትን እዩ። ወደይ ብሩኽ እቲ ብኣካል ዝረኽበና መከራ እሞ ውጽኢት ምማትናን መግለጺ ብቕዓትና እዩ። 2ይ ተሰሎንቄ 1፡5ነታ ብዛዕባኣ መከራ እትጸግቡ ዘሎኹም መንግስቲ ኣምላኽ ብቑዓት ኴንኩም ምእንቲ ኽትቍጸሩ፡ እዚ መከራኹም ግሉጽ ምልክት ናይቲ ቕኑዕ ፍርዲ ኣምላኽ እዩ።

ርስቶም ወደይ ሎሚ ቕነ ሕስብ ከብሎ ቀንየስ፡ “እንታይ ኰይነ እየ እዚ ኹሉ ዓመት ተምሂረስ ምስክር ወረቐት ብቕዓት(መከራ) ዘይተቐበልኩ፧” ዝብል ሓሳብ ክመላለሰኒ ቀንዩ። ስለ ዘይሞትኩ (ንነፍሰይ ምእንቲ ክርስቶስ ስለ ዘይጥፋእኩ) ምዃኑ ተሰወጠኒ። ምኽንያቱ ሰብ ዘይተለማመዶ ክፍተኖ ስለ ዘይክእል ክሳብ ዘይተቐተልኩን ርእሰይ ዘይከሓድኩን ዋላ እንተደለኽዋ እውን ንመከራ(ናይ ብቕዓት ምስክር ወረቐት) ኣይክረኽባን እየ። ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣቢሉ ይኸውን ምስዞም ብጎይታ ኣሕዋተይ ሓወቦታትካ ብዛዕባ ማቴ 16፡24-26 ዘሎ ሓሳብ ቃል ኣምላኽ እናተኻፈልና ሓደ ካብቶም ኣሕዋት “ምስ ክርስቶስ ሞይትኩም” እንድዩ ዝብል፡ እዚ ርእስኹም ቅተሉ ዝብል ምህሮ ፡ ምህሮ ሓድሽ ኪዳን ኣይኰነን ዚብል ሓሳብ ኣምጺኡ። ንስኻ’ኸ እንታይ ምበልካዮ ዝወደይ፧ ኣነ እኳ፡ እሞ ጎይታ በቲ ተቐዲስኩም ዝበለ ኣፉ ተቐደሱ ካብ በለና፡ በቲ ጸዲቕኩም ዝበለ ኣፉ ጽድቂ ግበሩ ካብ በለና፡ በቲ ድሒንኩም ዝበለ ኣፉ ምድሓንኩም ፈጽሙ ካብ በለና፡ መከራና ወሰዶ ኢሉ ጎደሎ መከራ መልኡ ካብ በለና፡ቃል ኣምላኽ’ዶ ደኣ ዝጋጮ ኰይኑ እዩ፧ ያእ ኣይፋሉን!! እቲ እንትርፎ ብሓጢኣት ብኹሉ ከምዚ ኸማና ዝተፈተነ ፍጹም ኣምላኽ ፍጹም ሰብ፡ ስጋ ካብ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ብምውሳድ ንስጋና ዚግባእ መቕጻዕቲ ብምውሳድ ኣብ እብራውያን 12፣22-24 ተጽሒፉ ከምዘሎ ናብዚ ክብሪ እዚ ኣብጽሓና። ነዚ ክብሪ እዚ ግን ንቕድስና ብምስዓብ(እብ 12፣12)። ንምድሓንናን ንሕጊ ክርስቶስን ብምፍጻም (ገላ፡6፣2-3/ ፊሊጲ፡ 2፣12-13 ጽድቂ ካብ ትጠፍእ መከራ እናመረጽናን ንጽድቂ ኸኣ እናገበርናያን (ማቴ፡ 5፣10/1ይ ዮሃ፡3፣7/ራእይ፡ 22፣11)። ንመከራ ክርስቶስ እናመላእና (ቆሎሴ፡1፣24)፡ ንነፍስና እናጥፋእናን (ማቴ፡16፣24-26)፡ እናፈጸምና ኣብ መወዳእትኡ ነቲ ዝተፈጸመልና መንነት ምልባስ እዩ።

ርስቶም ወደይ፡ የሱስ ኪምለስ እዩ!! ማራናታ፡ ኣሜን ጎይታ እየሱስ ንዓ ከም ኣትብል ኣይስሕቶን እየ። ምስቶም ዝተሓርዱ ምእንታን ክንጽንበር ግን ጎይታ ንምጽኣቱ ንቑሩብ ዘመን የደንጉዮ ኣሎ!!

ወደይ ብሩኽ፡ ምስቶም ዝተሓርዱ፡ ድሌትካ፣ ውጥንካ፣ ክብርኻ፣ መንነትካ፣ ብምቕታል (ንርእስኻ ብዘይምንባር) ኣብ ምዕዳል ጻዕዳ ክዳን ክትሓብር፡ ኣብ ክብሩ ክትጽንበር ከም እትደልይ ርግጸኛ እየ። እታ መገዲ ግን ሓንቲ እያ   እቲ ንነፍሱ ኪረኽባ ዚደልይ፡ ምእንታይ የጥፍኣያ፡ እያ እትብል። ወዲ ሰብ ንነፍሱ እንትርፎ ምእንቲ ክርስቶስ ምጥፋእ፡ ብዝዀነ ነገር ክብጀዋ ኣይክእልን እዩ። እግዚኣብሄር ናብቲ ስሩት መሰረት ክንምለስ ይርድኣና።

ኣቦኻ እየ! ስብሓት ንእግዚኣብሄር!


ብሓውና በረኸት መንግስተኣብ