“ብጸጋን ብፍልጠት ጐይታናን መድሓኒናን እየሱስ ክርስቶስ ደኣ ዕበዩ፣” (2ጴጥ 3።18)

ሃዋርያ ጴጥሮስ ኣብ መወዳእታ ካልኣይ መልእኽቱ ኣመንቲ ብጸጋን ብፍልጠት ጐይታናን መድሓኒናን እየሱስ ክርስቶስ እናወሰኽና ክንከይድ ከም ዘሎና ኣዘኻኺሩና ኣሎ፣ ንምዃኑ ብጸጋን ብፍልጠትን ጐይታ ምዕባይ እንታይ ማለት እዩ፧ ንሕና’ኸ ከምቲ ጐይታ ዝደልዮ ንዓቢ’ዶ ኣሎና፧ ኣብ መንፈሳዊ ህይወትና ነንመዓልቱ እወንታዊ ለውጢ ነርኢ’ዶ ኣሎና፧ በዚ ንህይወትና ኵሉ ጊዜ ክንምርምርን ናይ ብሓቂ እናወሰኽና ንኸይድ ከምዘሎና ከነረጋግጽን ይግብኣና (2ጴጥ 1።8-9)፣

ሓቀኛ ክርስቲያን ብእምነት። ብፍቕርን ብፍልጠትን ኣብ ጸጽባሕ እናዓበየ እዩ ዝኸይድ፣ ሃዋርያ ጳውሎስ ንኣመንቲ ሰብ ተሰሎንቈ ኣብ ንሓድሕዶም ዝነበሮም ፍቕሪ እናወሰኸ ክኸይድ ሚዕድዎም እዩ (1ተሰ 4።10፤ 1ተሰ 3።12)፣ እቲ ፍቕርና ድማ ብፍልጠትን ብምስትውዓልን እናበዝሐ ኪኸይድ የድሊ (ፊሊ 1።9)፣ ብጸጋ ምዕባይ እቲ ኣዝዩ ዝበለጸ መረጋገጺ ናይ መንፈሳዊ ጥዕና እዩ፣ ሓደ ቈልዓ ይዓቢ እንተዘይሃልዩ ገለ ጸገም ከም ዘለዎ ዘርኢ ምልክት እዩ፣ ንሕና ድማ ካብ ዕቤት እንተ ኣቋሪጽና መንፈሳዊ ጸገም ኣሎና ማለት እዩ፣ ብሓቂ ንዓቢ እንተሊና ግን ውሽጣዊ ዕረፍቲ ኣሎና፣ ብጸጋ ምዕባይ ማለት ንኻልኦት ብርሃንካ ምብራህን ከም ጨው ምድሪ ኴንካ ንኻልኦት ምምቃርን ማለት እዩ፣ ኣብ ካልኦት ዘሎና ጽልዋ በቲ ንሳቶም ዝርእይዎ ፍሬና እዩ ዝምዘን፣ ከምቲ ኣብ ዓለም ከሎና ዝነበረና ሓጢኣት እንተ ቀጺልናዮ። ንኻልኦት ንምዕባይ ምኽንያት ክንከውን ኣይንኽእልን ኢና፣ ከምቲ ሓረስታይ ዘራእቱ ዓብዩ ፍረ ፈርዩ ኪርኢ ዚደልን ዚሕጐስን። ብኣንጻሩ ድማ ዕቤት ዘራእቱ እንተዘየለ ዝጕሂ። ከምኡ ድማ ኣምላኽ ናትና መንፈሳዊ ዕቤትን ፍረን ኪርኢ ኣዝዩ እዩ ዚደሊ፣
ምኽንያቱ እዚ ፈረ እዚ ንኣምላኽና ኣዝዩ ብሉጽ ክብርን ምስጋናን እዩ ዘምጽኣሉ (ፊሊ 1።9-11)፣

መለለዪ ዕብየት

ንዓቢ ከም ዘሎና ከመይ ገይርና ንፈልጥ፧ ባዕልና ንህይወትና ክንግምግም ከሎና ኣብ ዘይንዓብየሉ ጊዜ ከም ንዓቢ ዘሎና ክመስለና ይኽእል እዩ፣ እቶም ኣብ ዙርያና ዘለዉ ግን ብዝያዳ በቲ ፍሬና ይፈልጡና እዮም፣ ንዓቢ ከምዘሎና ከርእዩና ዝኽእሉ ምልክታት ኣለዉ፣ ገለ ካብኣቶም ንምጥቃስ።

1) ትሕትና። – እቲ ዝዓቢ ዘሎ ኣማኒ። ምሕረት ኣምላኽን ጸጋ ኣምላኽን ዘይግብኦ ክነሱ። ከም ዝተዋህቦ ብምርዳእ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ይኹን ኣብ ቅድሚ ሰብ ብትሕትና እዩ ዝመላለስ፣ ሃዋርያ ጴጥሮስ ንክርስቶስ ክስዕብ ምስ ጀመረ እቲ ናይ ብሓቂ ኵነታቱ ማለት ኣብ ርእሱ ምውካል ጌጋ ምዃኑ ክርድኦ ጅሚሩ (ሉቃ 5።8)፣ ኣብቲ ቅድስና ኣምላኽ ኣጸቢቕና ኣብ እንርኤሉ ጊዜ ኣብኡ ድማ ሓጢኣትናን ድኻምናን ኣጸቢቑ እዩ ዝርድኣና፣ ሃዋርያ ጳውሎስ ናብ ኣምላኽ ጠቢቑ ሓለፋ እቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ሃዋርያት ክብሪ ኣምላኽ ምስ ረኣየ። ንሱ ዘይጠቅም ቍላዕ። ሰጓጕ ማሕበር ምንባሩ ብዛዕባ እቲ ዝነበሮ ሓጢኣት ተዘኪርዎ (ኤፌ 3።8፤ 1ጢሞ 1።15)፣

2) ኣብ ጐይታ ዘሎና ፍቕርን እምነትን። – እቲ ጐይታ ዝወዓሎ ውዕለት ምእንታና ህይወቱ በጃ ከም ዝሃበ ተረዲእና ኵሉ ጊዜ ሞሳ ንመልስ እንተ ዄይንና ንዓቢ ኣሎና ማለት እዩ (ሮሜ5።8)፣ ከም ዛንታ ጥራይ ብዘይ እምነት እንቕበሎ እንተ ዄይንና ግን ከይተረድኣና ኢና ንስዕብ ዘሎና። ንዓቢውን የሎናን፣ እቶም ኣብ ዕቤት ዘለዉ ኣመንቲ ንጐይታ ስለ ዘፍቅርዎን ዝኣምንዎን ጐይታ ድማ በቲ ኣብኦም ዘለዎ ፍቕሩን ሓይሉን ኩሉ ድሌቶም ከም ዝመልኣሎም ይርድኡ እዮም (ሮሜ 8።28)፣

3) ቅድስና። – ኣብ ዕቤት ዘሎ ኣማኒ ብዘይ ነውርን መንቅብን ብሰላም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክነብር እዩ ዝጽዕር ( 2 ጴጥ 3፣11,14)። ብዛዕባ ቃላቱን ተግባራቱን ኣዝዩ ጥንቁቕ እዩ ዝኸውን። ኣብ ብዅሉ መዳይ ናይ ህይወቱ ንክርስቶስ ክመስል እዩ ዝጽዕር፣ ኣሰር ክርስቶስ ብምስዓብ ነቲ ናይ ቀደም ሓጢኣቱ ረሲዑ ናብቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ እዩ ዝጐዪ ( ፊሊ 3፣13)።

4) ንኻልኦት ምፍቃር። – ኣብ መንፈሳዊ ዕብየት ዘሎ ክርስቲያን ንኻልኦት ደንጋጽን ለዋህን ሕያዋይን ስለ ዝኸውን ቅድሚ መሰሉ ናይ ካልኦት ድሌታት ከማልእ እዩ ዝጽዕር፣ ናይ ካልኦት ጉድለትን ድኽመትን ምጽብጻብ ገዲፉ ከምቲ ዘለውዎ ከፍቕር ይጅምር፣ ምኽንያቱ እግዚኣብሄር ብኸምኡ ከም ዘፍቀሮ ስለ ዝርዳእ (ዮሃ 13።33-34)፣

5) ንኻልኦት ወንጌል ምብሳር። – ኣብ ዕቤት ዘሎ ክርስቲያን ካብ ስድራቤቱ ጀሚሩ። ኣዝማዱ። መሳርሕቱ። ንኻልኦት ናብ ድሕነት ንምምጻእ ኣብ ልቡ ከቢድ ጾር እዩ ዝስምዖ (ሮሜ 9።1-3)፣ ዋላ እኳ ገለ ሰባት ናብ ክርስቶስ ንምምጻእ እንተ ኣበይዎ። ንሱ ግን እቲ ውጽኢት ንጐይታዘይምስዓብ (ዘለኣለማዊ ፍርዲ) ኣጸቢቑ ስለ ዝርድኦ ጻዕሩ ኣየቋርጽን እዩ፣ ምኽንያቱ ንኻልኦት ወንጌል ምንጋር ከም ዓቢ ተልእኾ ኣብ ህይወቱ ሰሪጹ እዩ (ማቴ 28።19-20)፣

መገዲ ዕቤት

ከመይ ገይርና ኢና ብጸጋን ብፍልጠትን ክንዓቢ ንኽእል፧ ዋላ እኳ ብጸጋ ምዕባይ ውህበት ኣምላኽ እንተዀነ ኣብ ዘሎኻዮ ኢድካ ብምጥማር ግን ኣይርከብን እዩ፣ ክንዓቢ እንተ ደሊና ነቲ እግዚኣብሄር ዝህበና ጸጋ ከምቲ ዚግባእ ክንጥቀመሉ የድሊ፣ ከምኡ’ውን በቲ እግዚኣብሄር ከሕልፈና ዝደለዮ መገዲ ክንሓልፍን ኣድላዪ ዝኾነ ዋጋ ክንከፍል ፍቓደኛታት ክንከውንን የድልየና፣ ገለ ካብቶም ክንዓብየሎም እንኽእል መገድታት ንምጥቃስ። –

1) ነቲ ዝተዋህበካ ጸጋ ኣምላኽ ብዝግባእ ምጥቃም። – ከምቲ ሰብ እንተ ዘይበሊዑን እንተ ዘይሰትዩን ኪዓቢ ዘይክእል። ሓደ ክርስቲያን’ውን ብግቡእ ቃል ኣምላኽ እንተዘይተመጊቡን ብጸሎት ምስ ኣምላኹ እኹልን ውጽኢታውን ዝዀነ ጊዜ ከሕልፍ እንተ ዘይኪኢሉን ኣብ መንፈሳዊ ህይወቱ ዕቤት ከርኢ ፈጺሙ ዘይሕሰብ እዩ፣ ወላ’ዃ ሎሚ ብዙሓት ክርስቲያናት ኣብ ስራሕ ንነዊሕ ሰዓታት ተጸሚድና ንውዕል እንተሎና። ንቓል ኣምላኽ ምንባብን ንጸሎትን ዝኸውን ጊዜ ስኢንና ክንብል ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ፈጺሙ ቅቡል ክኸውን ከምዘክእል ክንርዳእ የድሊ፣ ካብቲ ዘሎና ጸቢብ ጊዜ ከይተረፈ ንኣምላኽ ዝኸውን ጊዜ ክንዕድግ ዘድሊ ዋጋ ክንከፍል ቅሩባት ክንከውን ይግብኣና፣ ብተወሳኺ። ካብቶም ጊዜና ክበልዑ ዝኽእሉ ነገራት። ከም ብዙሕ ሰዓታት ኣብ ተለቪጅን። ኢንተርነት። ስፖርት። ዕላልን ካልእን ከይነጥፍእ ኣዚና ክንጥንቀቕ
ይግብኣና፣

2) ኣብ ሕብረት ኣመንቲ እሙን ምዃን። – ከምቲ ሓደ ምልክት ሕማም ምዕጻው ወይ ምቕናስ ሸውሃት መግቢ ዝኾነ። ኣብ መንፈሳዊ ድኻም ዘሎ ኣማኒ ድማ ካብ ሕብረት ኣመንቲ እዩ ዝሃድም፣ ከም ዝግባእ ክንዓቢ እንተዄይንና ምስ ኣመንቲ ብምሕባር ተኻፈልቲ እቲ ኣምላኽ ኣብኦም ዘንበሮ ጸጋ ክንከውን ብግዲ እዩ ዘድልየና፣ ደገፍ። ፍቕሪን ምጽንናዕን ገለ ካብቲ ካብቶም ኣመንቲ ኣሕዋትና ክንረኽቦ ዘድልየና ሃነጽቲ መግቢ እዮም፣

3) ኣብ ዕርክነት ጥንቁቕ ምዃን። – ምስቶም ኣብ ዓለም ዘለዉ ብጥበብን ብምስትውዓልን ክንመላለስ ደኣ ኣሎና እምበር። ምስኣቶም ብዙሕ ጊዜ እንተ ኣሕሊፍና በቲ ናብራኦምን
ኣካይዳኦምን ክንጽሎ ናይ ግድን እዩ፣ ንኣምላኽ ዘየፍቕሩ ኣዕሩኽ እንተ ኣለዉና ንዕቤትናሃሰይቲ ክዀኑ ስለ ዝኽእሉ ኣካይዳና ኣዝዩ ጥንቁቕ ክኸውን ይግባእ (ያእ 4።4)፣ ብኣንጻሩ ምስ ክርስቶስ ዘየቋርጽ ሕብረትን ዕርክነትን ክህልወና ይግባእ፣ ናብ ክርስቶስ ክንቀርብን ክንፈልጦን ከም ፈቃር ውልቃዊ ዓርክና ክንገብሮን ዘቃጽል ድሌት ክህልወና የድሊ፣ ብድሕሪኡ ድማ ምስቶም ንመንፈሳዊ ዕቤት ክድግፉና ዝኽእሉ ሰባት ክንተዓራረኽ እቲ ዝበለጸ እዩ፣

ስለዚ ምልስ ኢልና ህይወትና ንፈትሽ። ብጸጋ ኣምላኽ ንዓቢዶ ኣሎና፧ ኣብ ዕቤት እንተዘይሃሊና ኣብ ጸገም ከም ዘሎና ተረዲእና ጠንቂ ናይቲ ጸገምና ንምፍላጥን ነቲ ጸገም ካባና ንምርሓቕን ናብቲ ኵሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ኣቦና ብትብዓት ንቕረብ፣ እግዚኣብሄር ብክርስቶስ ክንዓብን እኹላት ሰብኡት ክንከውንን እዩ ዚደልየና፣ ንሱ መልሲ ናይ ኵሉ ሕቶታትና እዩ፣ ኣብ መንፈሳዊ ዕቤት እንተ ሃሊና ድማ እቲ በጺሕናዮ ዘሎና ብጸጋ ኣምላኽ ምዃኑ ብምርዳእ። ከይተዛነና ናብ ቅድሚት ምእንቲ ክንግስግስ ተወሳኺ ጸጋ ንምቕባል ናብ ዙፋን ጸጋ እግዚኣብሄር

ንቕረብ፣ እግዚኣብሄር ይደግፈና፣ ኣሜን!