ኣብዚ ትምህርቲ እዚ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ክፋል ትምህርትና ዝረኣናዮ ሓሳብ፡ ንሰለስትነት እግዚኣብሄር ዘብርሁ ጥቕስታት ምርኣይ ክንቅጽሎ ኢና። ንኣብነት ኣብ መልእኽቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ናብ ሰብ ኤፌሶን ምዕራፍ 2፡17-18 ከምዚ ይብለና፡ “ንኽልቴና ብእኡ ብሓደ መንፈስ ናብ ኣቦ መእተዊ ስለዘሎና ኸኣ፡ ንኣኻትኩም ርሑቓት ዝነበርኩም መጺኡ ሰላም ኣበሰረኩም፡ ነቶም ቀረባ ዝነበሩውን ሰላም ኣበሰሮም።” ኣብዚ ጥቕሲ እዚ “ሓደ መንፈስ” ዝብል ንመንፈስ ቅዱስ ይገልጽ፡ “ናብ ኣቦ” ዝብል ንእግዚኣብሄር ኣቦ ይገልጽ፡ “ሰላም ኣበሰረኩም” ዝብል ድማ፡ ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ይገልጽ። ከምዚኦም ዝበሉ ብርክት ዝበሉ ጥቕስታት ክንርኢ ኢና። ኣምላኽ ብምግላጽ ይባርኸና።
24/01/2004