መጠቓለሊ ናይዚ ትምህርቲዚ፡ መልሲ ናይዝቐረቡ ሰለስተ ሕቶታት። እታ ቀዳመይቲ ኣብ ማቴ 10:42 ዘላ ጣሳ ዝሑል ማይ ዘስተየ እዃ ዓስቡ ከምዘይስእን ኣብ ዝብል እያ። እታ ካልኣይቲ ድማ ኣብ ማቴ 16:27-28 ዘላ፡ “ካብ እዞም ኣብዚኣ ደው ኢሎም ዘለዉ ፡ ንወዲ ሰብ ብመንግስቱ ኪመጽእ ከሎ ኽሳዕ ዚርእይዎ ፡ ንሞት ከቶ ዘይጥዕምዋ ኸም ዘለዉ፡” እትብል እያ። እቲ ሳልሳይ ድማ ክንደይ ትንሳኤ ኣሎ ዝብል እዩ። ብዘይካዚ ነተን ኣብ ማቴ 25 ዘለዋ ሰለስተ ምስላታት ናይ ምጽኣት ክንርኢ ኢና። እዚ ብዛዕባ እተን ዓሰርተ ደናግል፡ ብዛዕባ እቶም መኽሊት ዝተቐበሉን፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ምድሪ ከሎና ኪህልወና ዚግባእ ስነ-ምግባርን እዩ።