ኣብ ቀጽሪ መካነ ሂወት መድሃኔ ኣለም ቤት ክርስትያን ብዕለት ብ ዶ/ር ተኽለኣብ መንግስትኣብ

ትንሳኤ ተኣምራታዊ ፍጻሜ እዩ። ሽዑ ድሩት ህልውናና ናብ ዘይድሩት ህልውና ኪመጽእ እዩ። “እቲ ዝርአ ንጊዜኡ እዩ፣ እቲ ዘይርአ ግና ዘለኣለማዊ እዩ” ከም ዝተጻሕፈ ድማ ካብዚ ሎሚ ብዓይንና እንርእዮ ዘሎና ሓላፊ ነገር ናብቲ ብዓይንና ርኢናዮ ዘይንፈልጥ ዘለኣለማዊ ነገር ክንሓልፍ ኢና። ካብዚ ብሓጢኣት እንፍተነሉ ዓለም ናብቲ ብፍጹም ጽድቂ እንነብረሉ ሰማያት ክንሳገር ኢና። ትንሳኤ፣ ጐይታ በቲ ንኹሉ ዝመልከሉ ሓይሉ ነቲ ናብ መሬት ዝተለወጠ ስጋና ዝእክበሉ፣ ኩሉ ተግባር፣ ቃልን ሓሳባትን ሰባት ናብ ፍርዲ ዝመጸሉ፣ እቶም ክዳውንቶም ብደም እቲ ገንሸል ዘጻዕደዉ ፍጽምና ዝለብስሉ፣ ሰብ ኣብ ልዕሊ ሞትን ህይወትን ዝገዝኣሉ ፍጻሜ እዩ። ኣብቲ ፍርዲ ስጋ ምስ ነፍስን መንፈስን ብሓንሳብ ክፍረዳ እየን። ኣብ ጊዜ ትንሳኤ ዝወሃብ ፍርዲ ከከም ግብርኻን እምነትካን እምበር ኣብ ዓሌት፣ ማሕበራዊ ደርቢ፣ ማዕርግ፣ ደረጃ ትምህርቲ ወዘተ ዝምርኮስ ኣይኰነን።