ኣብ ቀጽሪ መካነ ሂወት መድሃኔ ኣለም ቤት ክርስትያን ብዕለት 10-11-2003 ብ ዶ/ር ተኽለኣብ መንግስትኣብ

ቅድሚ ብዛዕባ ትንሳኤ ምዉታን ምዝራብና፣ ብዛዕባ ሞት ክንዛረብ የድልየና። ንሞት ኣብ ኣርባዕተ ክንከፍሎ ንኽእል ኢና። ስጋዊ ሞት፣ ስነ-ምግባራዊ ሞት፣ መንፈሳዊ ሞትን ዘለኣለማዊ ሞትን ድማ ይበሃሉ። ንሓደ ናይ ብሓቂ ክርስቲያን ዝዀነ፣ ስጋዊ ሞት ድቃስን ናብ ክብሪ ኣምላኽ ዘእቱን መሰጋገሪ ስለዝዀነ ኪፈርሆ ኣይግባእን እዩ። ስነ-ምግባራዊ ሞት ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ፣ ምዉት ግብርን፣ ብዘይጽቡቕ ሃቐናን ሰናይ ግብሪ ምግባርን እዚ ስነ-ምግባራዊ ሞት እዩ። ንድምጺ ኣምላኽ ክሳዕ መወዳእታ እንተ ተጻሪርናዮ ድማ መንፈሳዊ ሞት (ካብ ኣምላኽ ምፍላይ) ይስዕብ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኵነታት እንከሎ ብስጋ እንድሕሪ ሞይትና እዚ ንሰብ ናብ ዘለኣለማዊ ሞት ይመርሖ። ኣምላኽ ካብዚ ይሰውረና።