ኣብ ቀጽሪ መካነ ሂወት መድሃኔ ኣለም ቤት ክርስትያን ብዕለት 27-09-2003 ብ ዶ/ር ተኽልኣብ መንግስትኣብ

ብዛዕባ ትንሳኤ ምዉታን ንምሕሳብ፣ ንትንሳኤ ናይ ክርስቶስ ኣጸቢቕና ክንርድኦን ርግጸኛታት ኪንከውንን የድልየና። ክርስቶስ ብርግጽ ብስጋ ሞይቱን ተንሲኡን እዩ። ክርስቶስ ቅድሚ ምትንሳኡ ሞይቱ እዩ፣ ኣብ ትንሳኤኡ ንምሕባር ንሕና ሕጂ ክንመውት ኣሎና። ቃል ኣምላኽ፣ “ሞትና ንሞቱ መሲሉ ሕቡራቱ እንተዀንናስ፣ ብትንሳኤኡ ድማ ክንሓብሮ ኢና” ይብለና። ሞት ማለት ንሓጢኣት እምቢ ምባልን ነንመዓልቱ መስቀልካ ምጻርን ማለት እዩ። ከምዚ ዝበለ ናብራ ኔርና እንተዓረፍና ደሓር ናብ ክብሪ ክንትንስእ ኢና። ሽዑ መንፈስናን ስጋናን፣ ሰብ ምስ ሰብን፣ ሰብን መላእኽትን፣ ብዓቢኡ ድማ ሰብን ጐይታን ኪራኸቡ እዮም። ጐይታ ንትንሳኤ ዝበቅዕ ህይወት ይሃበና።