ዕንበባ ጽጌረዳ ትርኢታ እተብህግ ግናኸ ኣብ ጉንዳ እሾኽ ዘለዋ ንግስቲ ዕንበባታት እያ። ኣብዚ ምድሪ እዚ ክሳዕ ዘሎና፣ ህይወት ከምኡ ኪትከውን እያ። ናይ ገሌና መንፈሳዊ የዒንቲ ዕጽው ካብ ምዃኑ ዝተላዕለ ኣብቲ እሾክ ንዘሎ ጽቡቕ ነገር ምርኣይ ንስእን እሞ፣ ንህይወት ብምምራር ነሕልፋ። ኣምላኽ፣ መንፈሳዊ የዒንትና ኪኸፍት እሞ፣ ኣብቲ ክፉእ ዝመስል ነገር ጹብቕ ክንርኢ እይዩ ዚደሊ። “ኣብ ሕግኻ ተኣምራት ክርእስ ኣዒይንተይ ክፈተለይ” ኢሉ ዘማራይ ዳዊት። ስለዚ ኣብ ክፉእ ዝመስል ነገር፣ ተኣምራት እግዚኣብሄር እናስተማቐርና፣ ንህይወትና ብምስጋና ኪንመልኣ ኣምላኽ ንህይወትና ይዛረብ። እቲ ምስጋና ነቲ እሾኽ ናብ ዘየለ ከምጽኦ’ውን ሓይሊ ኣለዎ።
14/04/2002