Lyrics

ብመንፈስካ ቀድሰኒ
1. ካብቲ ብጥዑም ቃላት ጥበራ እተሰለመት ህይወት
ወቂባ ክትርአ እትምነ ናይ ሓቂ ምስላ ከይሓዘት
እተለቕለቐት መቓብር መአከቢ ፍንፉን ነውሪ
ሓሳባ ምድራዊ ዝረስዐት ናትካ ክብሪ
ተደ:- ከንቱ ካብ ምንባር ኣሕነኒ
ብመንፈስካ ግዳ ኣቦ ቀድሰኒ /2/
2. ካብ መኬዳ ዝለመደት ሒዛትካ ኣብ ዘላቶ እተቐመጠት
ብሰሪ ማእሰርታ ነዊሕ ጉዕዞ ፈጺማ ዘይሰጎመት
ሓድሽ መገዲ ዘይትፈልጥ ኣብ ትፋኣ ትመላለስ
ምቅዳስ ገዲፋ ብገዛእ ሓጢኣታ እተዓሸወት
ተደ:- ድሕሪት ካብ ምትራፍ ኣድሕነኒ
ብመንፈስካ ግዳ ኣቦ ቀድሰኒ /2/
3. ብናይ ካልኦት ድቃስ ተጸናኒዓ’ቲ ናትካ ዝገደፈት
ጥርሓ ዝተረፈት እቲ ጽቡቕ ትሕዝቶኣ ዝደርበየት
ዘይትመሃር ፍቕርኻ መሰረታ ዘየጽንዐት
ዘይትዓቢ ኣብቲ ናይቲ ሓቂ መንፈሳዊ ቤት
ተደ:- ድንኪ ካብ ምኳን ኣድሕነኒ
ብመንፈስካ ግዳ ኣቦ ቀድሰኒ /2/
4. ብወረቲ ሓቂ ቃልካ ኣዝያ ዝጸገበት
ንምስማዕ እምበር ንምግባር ኩለንትናኣ ኣባካ ዘይወፈየት
ኣብ ዘላቶ እተዓነደት ውሳኔኣ ዘየፍለጠት
ካብ ብዝሒ ምጽንባር ብዘሎ ሓይላ እተበልዐ
ተደ:- ካብ ምኽሪ ስጋ ኣድሕነኒ
ብመንፈስካ ግዳ ኣቦ ቀድሰኒ /2/
ብ መዘምራን መካነ ሂወት መድሃኔ ኣለም ቤት ክርስትያን

ካብ ብጥዑም ቃላት ጥበራ እተሰለመት ህይወት