ብዓይኒ እግዚኣብሄር ምጥማት
ንዝገጥመና ኵነታት ወይ ብዛዕባ ዝዀነ ጉዳይ ክንውስን ከሎና ብዓይኒ እግዚኣብሄር ክንርእዮ ብጣዕሚ እዩ ዘድልየና። ኵነታትን፡ ውሳነታትን ብዓይንናን ብዓይኒ እግዚኣብሄርን ኪርኣዩ ከለዉ፡ ከም ኣብ ህይወት ጴጥሮስ ኣብ ልዕሊ ማይ ናይ ምኻድን ምጥሓልን፡ ከም ኣብ ህይወት ኤልሳእን ገሓዝን ድማ ናይ ምትባዕን ናይ ምፍራህን፡ ኣብ ውሳነታት ናይ ሎጥን ኣብራምን ድማ ናብ ሶዶም ከም ምጽጋዕን ምንዳድን ናብቲ እግዚኣብሄር ዝመረጸልካ ከም ምኻድን እዩ ፍልልዮም። ብዘይ እዚ፡ ሎሚ ንዅነታትና ኪንሰግሮ ኢና ኢልካ ዝሕሰብውን ኣይኰነን። ስለዚ ከም ኣረኣእያ እግዚኣብሄር ኪንጥምት ሎሚ ኣምላኽ ይዛረበና ኣሎ።