እግዚኣብሄር ንህዝቡ ብምዝራብን ብምምራሕን ባህ ዝብሎ ኣምላኽ እዩ። ኣምላኽ ብዙሕ ሳዕን ብብዙሕ መገድን ይዛረብ ከም ዝተጻሕፈ፣ ኣምላኽ እናሻዕ ዝዛረብ ኣምላኽ እዩ። እግዚኣብሄር ዝዛረበና ድማ ምእንቲ ኪንእዘዞ ኢሉ እዩ። ብዘይ ምእዛዝ ጥፍኣት እምበር ድሓን ኣይርከብን እዩ እሞ፣ ንምእዛዝ ኣምላኽ ክነፍቅሮን ንብረትና ክንገብሮን ይግብኣና። ህይወትና ብምእዛዝን ብቕድስናን ዝተሰለመ እንተኾይኑ፣ ጐይታ ንጸሎትና ይሰምዕ፣ ነዚ ህዝቢ እዚ ድማ ንምድሓን ንኸውን። ንእግዚኣብሄር ካብ ብዓውታ ምምላኽን፣ ምዝማርን፣ ብህይወትና ንልቢ ኣምላኽ ንተንክፎ እሞ፣ በረኸቱ ክስዕበና እዩ። “ሕራይ እንተበልኩምን እንተ ተኣዘዝኩምን ጣዕሚ እታ ምድሪ ክትበልዑ ኢኹም።” (ኢሳ 1፣16)